• +46 (8) 441 7170
  • info@eritrean-embassy.se

ብዛዕባና

ኣርእስቲ ምረጽ

መርሓባ! ናብ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ።

ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ፥ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ዴንማርክን ፊንላንድን ኮይኑ ይሰርሕ። እዚ መርበብ ሓበሬታ፡ ነቶም ኣብ’ዘን ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያንን ካልኦት በጻሕትን ስሉጥን ቅልጡፉን ኣገልግሎት ንምሃብ ዝዓለመ ኮይኑ ተጠቀምትን ተረባሕትን ኣገልግሎቱ ክትኮኑ መርሓባ ይብል።

ኤርትራ፡ ሓንቲ ሓዳስን ኣብ ኩሉ ተኽእሎታት ተስፋ ዝተነብራ ሃገር፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ እያ። ዋና ከተማኣ ብጥንታውነታን ኣርትዴኮ ምዃናን ኣብ UNESCO ዝተመዝገበትን ንኽትነብራ ምችእቲ ዝኾነትን ኣስመራ (ASMARA) ትበሃል። ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስትራተጂካዊ ቦታ ክፍሊ ዓለም እትርከብ፡ ኣስታት 1200 ኪሎ ሜትር ገማግም ባሕርን ልዕሊ 350 ጥንታውያን ደሴታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ሃገር እያ። ኤርትራ ማሳዋን (ባጽዕ) ዓሰብን (MASSAWA and ASSAB) ዝበሃላ ንዞባታት ሃገራትን ኣህጉራውን ንግድታት ከም መሰጋገርን መራገፍን ዘገልግላ ክልተ ካብ ቀዳሞት ወደባት ዓለም ትውንን። እዘን ወደባት፡ ምስቲ ኣብ ስትራተጂካዊ ቦታ ምህላወን፡ ኣብ ምዕባለ ንግዲ፡ ወፍርን ቁጠባዊ ንጥፈታትን ኤርትራ ዓቢ እጃም ኣለወን። ከም መርኣያ ቆላሕታአን መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ነጋዶን ዓበይቲ ናይ ንግዲ ትካላትን ንምትብባዕን ኣትዊኣኡ ንምዕባይን፡ ኣብ ከተማ ባጽዕ ናጻ ንግዳዊ ዞባ መስሪቱ፣ ዓቢ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ሃኒጹን ይርከብ።

ዕላማ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ ስጥሙን ነዊሕን ስትራተጂካዊ ዝምድና ኤርትራን ሃገራት ስካንድናቪያን ንምትእስሳር፡

  • ሓያል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኤርትራን ሃገራት ስካንድናቪያን ምፍጣር
  • ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ሓያልን ተሓጋጋዝን ዝምድናታት ምፍጣር
  • ንኣውፈርቲ ኤርትራውያንን ዜጋታት ስካንዲናቪያን ብምትብባዕ፡ ኣብ ንግድን ቱሪዝምን፡ ባህላዊን ትምህርታውን ዝምድናታትን ኣሳተፍቲ ዓውድታትን ምፍጣር እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ንጹርን ነዊሕን ዝጠመቱ ቁጠባዊ ምዕባለን ብመግቢ ርእስኻ ምኽኣልን ዝብሉ ሕመረታት ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ኣጀንድኡ ከም ቀዳማይ ብምስፋር ዝሰርሓሎም ዘሎ ሃገራዊ ዕማሙ እዩ። ስለዚ’ዩ ከኣ፡ ሓያል ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ብምፍጣር፡ ብመገዱ ኣብ ቴክኖሎጅን ሳይንሳዊ ምርምርን ብምትሕግጋዝ ርክባቱ ናብ ዝልዓለ ዝምድናታት ክብ ንምባልን ጻዕሩን ጎስጓሱን ዝኾነ።

ብተወሳኺ፡ ሃገራት ስካንድናቪያ ካብ ኣህጉር ኤውሮጳ ብብዝሒ ኤርትራዊ ዜጋ ዝቕመጥወን ሃገራት ብምዃነን፡ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ’ውን ኣብ’ዘን ሃገራት ምስ ዝቖማ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮማት ብምትእስሳር፡ ህዝቢ ምስ ሃገሩ ዘለዎ ርክብ ንምሕያልን ሓድሕዳዊ ዝምድናታቱ ብምዕባይን ኣብ ሃገራዊ ንጥፈታት ንምስታፍን ከም ዝሰርሕ ንምግባር ሰሪሑን ይሰርሕን ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዋላ’ኳ ሓያላትን ዝተጠናነጉን ብድሆታት እንተኣጋጠሙ፡ ብመኸተ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ተሳዒሮም እዮም። እዚ ድማ፡ ኣብ ጽንዓቱ ዝኣመነን ተስፋ ዘሕደረን ህዝብን መንግስትን ወናንን ተጠቃሚ ሰብኣዊ ዓቕምን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ሃገሩን ምዃኑ የረጋግጽ። ኣብ ምዕባለ ሃገሩ ንምስታፍ መገዲ የጣጥሕ፣ ኣፍራዪ ንምዃን ብዓቕሙ ነብሱን ሃገሩን የማዕብል።

ኣብ መርበብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ ምብጻሕኩም ነመስግና።