ኣገልግሎት መንነት
- ኣርባዕተ (4) ናይ ቀረባ ስእሊ (35x45) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
- ናይ ክልተ ወለዲ ኤርትራዊ ቅዳሕ ወረቐት መንነት፡
- ናይ ስድራ-ቤት መረጋገጺ ሰነድ (Family Person Bevis) ምስክርነት ዕለተ ልደት ውላድ፡
- ቅዳሕ ፓስፖርት
- ወለዲ ኣመልካቲ ኤርትራዊ ዜጋታት ኮይኖም ብሞት ወይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ወረቐት መንነት ዘይሓዙ ምስ ዝኾኑ፡ ብመሰኻኸር ይረጋገጽ፡
- ሰለስተ መሰኻኽር ዜግነቶም ብትውልዲ ኤርትራውያን፡ ዕድመኦም ልዕሊ 40 ዝኾኑ፡
- መሰኻኽር ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ሒዞም ኪቐርቡ ይግባእ፡
- መሰኻኽር ዘይረኸበ ኣብ ኤርትራ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ ወኪሉ ጉዳዩ ኪፍጸም ይኽእል፡
- ብዘይካ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መነጸር ዓይኒ፡ ካልእ ኣይፍቀድን፡
- ምስ እምነትን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰረ ቆብዕን መዓመምያን እንተዘይኮይኑ፡ ባርኔጣ....ወዘተ ኣይፍቀድን፡
- ኣመልካቲ ካብ 21 ዕድሚኡ ናይ ኣታዊኡ መረጋገጺ ሒዙ ኪቐርብ ኣለዎ፡
- ኣመልካቲ ቆጸራ ምስ ሓዘ፡ ዝግባእ ዋጋ ወረቐት መንነት ከፊሉ፡ ዝኸፈለለኡ ቅብሊት ሒዙ ኪቐርብ ይግባእ፡
- ክፍሊት ኤርትራዊ መንነት ወረቐት፡
መንነት ንምትካእ
- ሒዝዎ ዘሎ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
- ኣርባዕተ (4) ናይ ቀረባ ስእሊ (35x45) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
- ብዘይካ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መነጸር ዓይኒ፡ ካልእ ኣይፍቀድን፡
- ምስ እምነትን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰረ ቆብዕን መዓመምያን እንተዘይኮይኑ፡ ባርኔጣ....ወዘተ ኣይፍቀድን፡
- ኣመልካቲ ካብ 21 ዕድሚኡ ናይ ኣታዊኡ መረጋገጺ ሒዙ ኪቐርብ ኣለዎ፡
- ኣመልካቲ ቆጸራ ምስ ሓዘ፡ ዝግባእ ዋጋ ወረቐት መንነት ከፊሉ፡ ዝኸፈለለኡ ቅብሊት ሒዙ ኪቐርብ ይግባእ፡
ሓድሽ መንነት ንምውጻእ
- ኣርባዕተ (4) ናይ ቀረባ ስእሊ (35x45) ክልተ ኣእዛን ዘርኢ ፊት ንፊት ዝተሳእለ፡ ድሕሪ ባይታ (back ground) ጻዕዳ ኪኸውን ኣለዎ፡
- ብዘይካ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መነጸር ዓይኒ፡ ካልእ ኣይፍቀድን፡
- ምስ እምነትን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰረ ቆብዕን መዓመምያን እንተዘይኮይኑ፡ ባርኔጣ.... ወዘተ ኣይፍቀድን፡
- ኣመልካቲ ካብ 21 ዕድሚኡ ናይ ኣታዊኡ መረጋገጺ ሒዙ ኪቐርብ ኣለዎ፡
- ኣመልካቲ ቆጸራ ምስ ሓዘ፡ ዝግባእ ዋጋ ወረቐት መንነት ከፊሉ፡ ዝኸፈለለኡ ቅብሊት ሒዙ ኪቐርብ ይግባእ፡
- መረጋገጺ ሰነድ ካብ ፖሊስ
ወረቐት መንነት ንትሕቲ ዕድመ ንምውሳድ ኪማላእ ዘለዎ ሰነዳት
- ናይ ክልተ ወለዲ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ቅዳሕ፡ ከምኡ’ውን ናይ ስድራቤት Family Person Bevis ወይ ምስክርነት ልደት ቆልዓ
- ኣርባዕተ (4) ናይ ቀረባ እዋን ስእሊ (3 x 3)፡ ክልቲኡ ኣእዛን ኪርአ ኣለዎ
- ብጽፈት ዝተመልአ ፎርም መሕትት ወረቐት መንነት ንትሕቲ ዕድመ
- ቅዳሕ ናይ ትቕመጦ ሃገር ፓስፖርት
- ህጹጽ ኣገልግሎት ዝበሃል፡ ሰነዳትን ገንዘብን ካብ ዝበጽሓሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ (7) ናይ ስራሕ መዓልታት ዝወሃብ ኢዩ
- ክፍሊት ዝምልከት ንንቡር ኣገልግሎት፡ 210 ክሮኖር፡ ንህጹጽ ኣገልግሎት 310 ክሮኖር
- ንቡር ኣገልግሎት ዝበሃል፡ ሰነዳትን ገንዘብን ካብ ዝበጽሓሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ 14 ናይ ሰራሕ መዓልታት ዝወሃብ ኢዩ
- ብ Post Office ዝለኣኽ ሰነድ ዝወስዶ መዓልታት ኣብ ቁጽሪ 5 - 6 ንዝተጠቕሰ ዝጽብጽብ ኣይኮነን
ዓይነት መንነት |
ካብ 18 – 20 |
ኣብ መበል 21 |
ኣብ መበል 23 |
ኣብ ረፈረንድም ዘየውጽአ |
* ኣገልግሎት ፖስታ |
ሓድሽ መንነት ንምውጻእ |
220 ክሮኖር |
340 ክሮኖር |
580 ክሮኖር |
3700 ክሮኖር |
100 Sek |
መንነት ንምትካእ |
870 ክሮኖር |
100 Sek |
ካብ ስቶክሆልም ወጻኢ ንዝቕመጡ መልኣኺ ሰነድ ዋጋ:
ዕላዊ = 100 ክራውን / ህጹጽ = 120 ክራውን