ሓድሽ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ዘድልዮ ቅጥዕታት

  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቕራብ ቅጺ መሕተቲ መንነት ምምላእ
  • ምሉእ ስም ሓታታይ ክሳብ 3ይ ወለዶ
  • ዕለትን ቦታን ልደት
  • መበቆል(ኦርጂናል) ክብሪ መዝገብ ብቆንስላዊ ጉዳያት ዝተረጋገጸ / Birth certificate Authentication ዝኾነ ምቕራብ።
  • ምሉእ ስም ኣደ ክሳብ 3ይ ወለዶ
  • ቅዳሕ ወረቐት መንነት ናይ ኣቦን ኣደን ምቕራብ
  • ናይ ኣቦን ኣደን ቅዳሕ ወረቐት መንነት ምስ ዘይህልዉ ቅጺ ምስክርነት ዜግነት ንነበርቲ ወጻኢ ብውክልና ይምላእ። (ስም ወኪል ቁጽሪ ቴለፎን ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቀረባ ዘመድ ብኣደ ወይ ብኣቦ)
  • መቦቆል ዓዲ ናይ ኣቦን ኣደን
  • ኣርባዕተ ስእሊ 45×35 (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ ኣብ ስትድዮ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።
  • ነባርነት Personbevis ኣብ፦ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ደንማርክ፡ ፍንላንድ
  • ህልው ፓስፖርት ምስ ቅዳሕን
  • ምሉእ ኣድራሻ ትነብረሉ ቦታ
  • ክፍሊት ካብ 18 ክሳብ 20 ዓመት 240 Sek
  • ካብ 21 ንላዕሊ ዕድሚኦም ክፍሊት ንነፍሲ ወከፍ ተወሳኺ ሓደ ዓመት 140 Sek
  • ወረቐት መንነት ተሰሪሑ ምስ መጽአ ንመልኣኺ ቦስጣ ዘገልግል 180 Sek

መተካእታ ወረቐት መንነት ዝሓቱ ዘድልዮ ቅጥዕታት

  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቕራብ ቅጺ መሕተቲ መንነት ምምላእ
  • ኣብ ኢድ ዘሎ ወረቐት መንነት ኦርጂናል ምስ ቅዳሕ
  • ኣርባዕተ ስእሊ 45×35 (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።
  • ሰነድ ነባርነት ኣብ ስካንዲነቪያ / Personbevis / ኣብ ኢድ ዘሎ ፓስፖርትን ቅዳሕን
  • ምሉእ ኣድራሻ
  • መሕወይ ግብሪ Clearances
  • ክፍሊት 240 Sek

መኣረምታ ኣብ ወረቀት መንነት ዘድልዩ

መኣረምታ ወረቐት መንነት (ስም፡ ዕለት ልደት፡ወይ ቦታ ልደት) ዝምልከት ብቤት ፍርዲ ምስ ተወሰነን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን ጥራይ ኢዩ ዝፍጸም

ዝጠፈእ ወረቐት መንነት (Lost ID Card)

  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቕራብ ቅጺ መሕተቲ መንነት ክምላእ ይግባእ። እዚ ከይተመለአ ምትካእ መስርሕ ኣይጀመርን ኢዩ።
  • ቅዳሕ ወረቀት መንነት ምስ ዝህልዉ ይቐረብ
  • ቅዳሕ ምስ ዘይህልዉ ከም ዝጠፍኣ ናይ ፖሊስ ወረቀት ምቕራብ
    • ተዋሂቡ ዝጸነሐ ወረቐት መንነት ኣበይን መዓስን ተዋሂቡ
    • ቁጽሪ ወረቐት መንነት ተዋሂቡ ዝጸነሐ
    • ቁጽሪ መንነት ኣብ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ መስርሕ ምትካእ ይጅመር
    • ምሉእ ስም ኣደ፡ መበቆል ዓዲ ናይ ኣቦን ኣደን
  • ሰነድ ነባርነት ኣብ ስካንዲነቪያ / Personbevis / ኣብ ኢድ ዘሎ ፓስፖርትን ቅዳሕን
  • መሕወይ ግብሪ Clearances
  • ክፍሊት 880 Sek
  • ወረቐት መንነት ተሰሪሑ ምስ መጽአ ንመልኣኺ ቦስጣ ዘገልግል 180 Sek

ቁጽሪ ሕሳብ ባንክ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ