ሓዳሽ ፓስፖርት ንዝሓትት (New Passport)

  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቕራብ ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ምምላእ
  • ክልተ (2) ስእሊ 45×35 (ኣብ ስትዲዮ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ኦርጂናል ምስ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእን ምኽንያት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤት ፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።
  • ሰነድ ነባርነት Personbevis ካብ Skatteverket / Tax office/
  • ህልው ኦርጂናል ፓስፖርት ምስ ቕዳሕ
  • መሕወይ ግብሪ Clearances
  • ክፍሊት ንልዕሊ 18 ዓመት 2000 SEK ንትሕቲ ዕድመ 1500 SEK
  • ተሰሪሑ ምስ መጸ ንመላኣኺ ቡስጣ 180 SEK

መዓልቱ ዝኣኸለ (ዝወደቐ) ፓስፖርት መተካእታ (Expired Passport)

  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቅራብ ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ምምላእ
  • ክልተ (2) ስእሊ 45×35 (ኣብ ስትዲዮ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ተዋሂቡ ዝጸነሐ ፓስፖርትን ቅዳሕን
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤትፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።
  • ሰነድ ነባርነት Personbevis ካብ Skatteverket / Tax office/
  • ኦሪጂናል ፓስፖርት ናይ ካልእ ሃገር ምስ ዝህልው ምስ ቅዳሕን
  • ፓስፖርት ኤርትራ ኣቐዲሞም ሒዞም ንዝጸንሑ ንኹሉ ዜጋ (ዕድመ ብዘየገድስ ) ክፍሊት 1000 Sek
  • መሕወይ ግብሪ Clearances
  • ተሰሪሑ ምስ መጸ ንመላኣኺ ቡስጣ 180 SEK

ዝጠፈአን ዝተባላሸወ ፓስፖርት መተካእታ ዝሓትት (Lost & Damage)

  • ፓስፖርት ከምዝጠፈአ ዘረጋግጽ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ማለት ፖሊስ /ምምሕዳር መረጋገጺ ወረቀት
  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቅራብ ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ምምላእ
  • ክልተ (2) ስእሊ 45×35 (ባዮመትሪክ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ቅዳሕ ተዋሂቡ ዝጸነሐ ፓስፖርት
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ምስ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤትፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።
  • ሰነድ ነባርነት Personbevis ካብ Skatteverket / Tax office/
  • ክፍሊት ንልዕሊ 18 ዓመት 2500 sek  ንትሕቲ ዕድመ 2000 Sek
  • ተሰሪሑ ምስ መጸ ንመላኣኺ ቡስጣ 180 Sek

ሌሰ ፓሰ (Lassier Passer)

  • ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ዘይብሉ ሓድሽ ወረቐት መንነት ንምውጻእ ቅጥዕታት የማልእ
  • ኣርባዕተ ስእሊ 45×35 (ባዮመትሪክ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ ክኸዉን ይግባእ)
  • ሌሰ ፓሰ ጠቕሊሉ ንኤርትራ ንዝምለስ ወይ ጥርዝያ / Deport ጥራይ ይወሃብ
  • ክፍሊት 600 Sek

ቁጽሪ ሕሳብ ባንክ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ