ሓዳሽ ፓስፖርት ንዝሓትት (New Passport)

  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቕራብ ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ምምላእ
  • ክልተ (2) ስእሊ 45×35 (ኣብ ስትዲዮ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ኦርጂናል ምስ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእን ምኽንያት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤት ፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።
  • ሰነድ ነባርነት Personbevis ካብ Skatteverket / Tax office/
  • ህልው ኦርጂናል ፓስፖርት ምስ ቕዳሕ
  • መሕወይ ግብሪ Clearances
  • ክፍሊት ንልዕሊ 18 ዓመት 2000 SEK ንትሕቲ ዕድመ 1500 SEK
  • ተሰሪሑ ምስ መጸ ንመላኣኺ ቡስጣ 180 SEK

መዓልቱ ዝኣኸለ (ዝወደቐ) ፓስፖርት መተካእታ (Expired Passport)

  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቅራብ ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ምምላእ
  • ክልተ (2) ስእሊ 45×35 (ኣብ ስትዲዮ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ተዋሂቡ ዝጸነሐ ፓስፖርትን ቅዳሕን
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤትፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።
  • ሰነድ ነባርነት Personbevis ካብ Skatteverket / Tax office/
  • ኦሪጂናል ፓስፖርት ናይ ካልእ ሃገር ምስ ዝህልው ምስ ቅዳሕን
  • ፓስፖርት ኤርትራ ኣቐዲሞም ሒዞም ንዝጸንሑ ንኹሉ ዜጋ (ዕድመ ብዘየገድስ ) ክፍሊት 1000 Sek
  • መሕወይ ግብሪ Clearances
  • ተሰሪሑ ምስ መጸ ንመላኣኺ ቡስጣ 180 SEK

ዝጠፈአን ዝተባላሸወ ፓስፖርት መተካእታ ዝሓትት (Lost & Damage)

  • ፓስፖርት ከምዝጠፈአ ዘረጋግጽ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ማለት ፖሊስ /ምምሕዳር መረጋገጺ ወረቀት
  • ኣብ ኤምባሲ ብኣካል ብምቅራብ ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ምምላእ
  • ክልተ (2) ስእሊ 45×35 (ባዮመትሪክ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)
  • ቅዳሕ ተዋሂቡ ዝጸነሐ ፓስፖርት
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ምስ ቅዳሕ
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤትፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ስእሊ ምስ መነጸር ዓይኒ ምስ ዝኸውን፡ መነጸር ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ስእሊ ብንጹር ንዓይኒ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።
  • ሰነድ ነባርነት Personbevis ካብ Skatteverket / Tax office/
  • ክፍሊት ንልዕሊ 18 ዓመት 2500 sek  ንትሕቲ ዕድመ 2000 Sek
  • ተሰሪሑ ምስ መጸ ንመላኣኺ ቡስጣ 180 Sek

ሌሰ ፓሰ (Lassier Passer)

  • ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ዘይብሉ ሓድሽ ወረቐት መንነት ንምውጻእ ቅጥዕታት የማልእ
  • ኣርባዕተ ስእሊ 45×35 (ባዮመትሪክ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ ክኸዉን ይግባእ)
  • ሌሰ ፓሰ ጠቕሊሉ ንኤርትራ ንዝምለስ ወይ ጥርዝያ / Deport ጥራይ ይወሃብ
  • ክፍሊት 600 Sek

ቁጽሪ ሕሳብ ባንክ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ

ሃገር ቁጽሪ ሕሳብ Swift Code
ስዊድን Nordea Plusgiro no. 17 25 69-6  
ኖርወይ Nordea Bank-IBAN No. SE74 9500 0099 6026 0172 5696 NDEASESS
ዳንማርክ Nordea Bank-IBAN No. SE74 9500 0099 6026 0172 5696 NDEASESS
ፊንላንድ Nordea Bank-IBAN No. SE74 9500 0099 6026 0172 5696 NDEASESS

ቅዳሕ ብባንክ ዝተገብረ ክፍሊት መረጋግጺ ክለኣክ ኣሎዎ። እቲ ዝኸፍል ዘሎ ሰብ ንካልእ ምስ ዝኸፍል ስም ተገልጋሊን ቁጽሪ መንነት ኣብቲ MEDDELANDE ዝብል ቦታ ክጸሓፍ ይግባእ።

ካብ’ዞም ኣብ ላዕሊ ንከማልኡ ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ምስ እተጉድሉ ከስዕብ ዝኽእል ናይ ኣገልግሎት ምድንጓይ ኤምባሲ ተሓታቲ ኣይኮነን።