ግቡኣት ምምላእ
- ኤርትራዊ ወረቀት መንነት ምስ ቅዳሕ
- ኦርጂናል መንበሪ ፍቃድ ምስ ቅዳሕ / Uppehållstillstånd
- መረጋገጺ ወረቀት/Personbevis ካብ Skatteverket
- ዓመታዊ እቶት Declaration ካብ Skatteverket ካብ ዝኣተኻሉ ዓመት ጀሚሩ
ዉክልና ስልጣን
- ብወገን ወካሊ ከቐርብ ዘለዎ ሓበሬታ፦
- ምሉእ ስም ወካሊ
- ቁጽሪ ወረቐት መንነት
- ዕለትን ቦታ ልደትን
- ህልው ኣድራሻ (ሰነድ ነባርነት Personbevis ካብ Skatteverket / Tax office)
- ከም ‘ዉን ብወገን ተወካሊ፦
- ምሉእ ስም ተወካሊ
- ቁጽሪ ወረቐት መንነት
- ዕለትን ቦታ ልደትን
- ህልው ኣድራሻ
- ትሕዝቶ ውክልና ብጽሑፍ ምቕራብ ይግባእ (ብኮምፑተር ክጽሓፍ ይምረጽ)
- ውክልና ስልጣን ሕጋዊ ሰነድ ብምኳኑ መሰረት ኣብ ኣጸሓሕፋ ጥንቃቀ ይሓትት። ብሕጊ ዘይቅቡል ምስ ዝኸዉን ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ወይ ዝምልከቶ ኣካል ክነጽጎ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ኽኣቱ ይግባእ። ስለዚ ሰነድ ዉክልና ብንጹር ቃላት ዝተጻሕፈን ኣድላዩ ሓበሬታታት ዝሓዘን ክኸውን ይግባእ።
- ብዛዕባ ገዛ፦ ከባቢ፡ ጎደና፡ ቁ.ገዛ፡ ቁ.ፍቓድ መዝገብ
- ብዛዕባ መኪና፦ ዓይነት መኪና፡ ቁ. መለለይ ሰሌዳ፡ ቁ. ቻሲ
- ብዛዕባ ገንዘብ፦ ስም ባንክ፡ ቁ. ሕሳብ ባንክ፡
- ውክልና ስልጣን ቅቡል ንክኸውን እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቕሰ ነጥብታት ክማላእ ኣለዎ
- ውክልና ምርግጋጽ ዕለተ-ልደትን ኩነተ መርዓን ምስ ዝኸዉን ተወካሊ ቀረባ ዘመድ (ወላዲ፡ወላዲት፡ ሓዊ፡ ሓብቲ ወይ ሕጋዊ ጠበቓ ክኸዉን ይግባእ)
- ክፍሊት 450 Sek
- ብ ኢ-ሜይል ንኣስመራ ክለኣኽ እንተተደልዩ 100 Sek
- ኣብ ዉሽጢ 6 ወርሒ ኣብ ማ/ቤ/ጽ ቆንስላዊ ኮማዊ ጉዳያት ክረጋገጽ ኣለዎ
- ዝተማልኣ መሕወይ ግብሪ/ Clearances /
- ሰነድ ውክልና ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ፡ ክሊራንስ መሕወይ ግብሪ (2%) ክህልዎ ግድን ኢዩ።
ምርግጋጽ ሰነድ
- ኣብ ኤርትራ ብመንገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስተረጋገጸ ሕጋውነት ለቢሱ ኣብ መንግስታዊ ይኹን ህዝባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ተቐባልነት ይረክብ።
- ብኮፒ ወይ ብፋክስ ዝመጸ ሰነድ ኣይረጋገጽን
- ዝተማልኣ መሕወይ ግብሪ / Clearances /
- ኣብ ኤርትራ ዝተመስርሐ መቦቆላዊ ሰነድ ግድን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጨንፈር ቆንስላዊ ጉዳያት ተረጋጊጹ ምስ መጸ ኣብ ኤምባሲ ቅቡል ዝኸዉን።
ምርግጋጽ ህላውን ነባርነት
ህላወ ምስክርነት ወይ ነባርነት ንጥሮታ ይኹን ወይ ንብረት ንኤርትራ ንምልኣኽ ዘኽእል ሓታቲ ብህይወት ከምዘሎ ወይ ነባሪ ሃገር ስካንዲነቪያን ከም ዝኾነ ንምርግጋጽ ክቕረብ ዘለዋ ሰነዳት፦
- ኦርጂናል መንነት ወረቐት ምስ ቅዳሕ
- ፓስፖርትን ቅዳሕን
- ዝተማልኣ መሕወይ ግብሪ/ Clearances /
- ክፍሊት 450 Sek
ምርግጋጽ ኩነተ-መርዓ
- ኣብ ኤርትራ ቃልኪዳን ክኣስሩ ዝደልዩ፡ ኣብ ሃገራት ስካንዲነቪያ ካብቲ ዝነበርሉ ምምሕዳር ከተማ Skatteverket ኣብቲ ኩነታት ሓዳር ዝሕብር ዝተረጋገጸ ሰነድ Authentications ሰነድ ብኢንግሊሽ ከቕርብ ይግባእ።
- Personbevis ካብ Skatteverket ዝወሃብ ሰነድ እዋናዊ ክኸዉን ኣለዎ
- ሰለስተ መሰኻክር ልዕሊ 40 ዓመት ኤርትራዊ ወረቀት ዝሓዘ
- ዝተማልኣ መሕወይ ግብሪ/ Clearances
- ክፍሊት 520 Sek
ምርግጋጽ ካልእ ዝተፈላለዩ ሰነዳት
- መበቆላዊ ሰነድ ናይቲ መረጋግጺ ተደልይሉ ዘሎ ጉዳይ
- ካብ ኤርትራ ዝመጽእ ሰነድ መበቆል ሰነድ ቁኑዕ ምዃኑ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይ ኣንጋዲት ሃገር ይረጋገጽ፡ ብመሰረት ዝተረጋገጸሉ ሰነድ ተሞርኪሱ ድማ ኣብ ኤምባሲ ከምዝረጋገጽ ይግበር።
- ዝተማልኣ መሕወይ ግብሪ/ Clearances
- ክፍሊት 450 Sek